Fana: At a Speed of Life!

ዶብ ተሻገርቲ ፍልሰት ዜጋታት ዝጠመተ ቀጣናዊ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ኢዩ

አዲስ አበባ፣ መስከረም 18፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶብ ተሻገርቲ ፍልሰት ዜጋታት ዝጠመተ ቀጣናዊ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኢጋድ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ 22 ክሳብ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም አ ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ብዛዕባ እቲ ዛዕባ ዘለወን ተመክሮ ብምልውዋጥ ቀጠናዊ ዘምድናን መትሕብባርን ምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ከምዝገብራ ተገሊፁ።

ኢጋድ ኣብቲ ጉዳይ ዝወሰዶም ስጉምቲታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዉ ዕድላትን ፈተናታትን ዘተ ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.