Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ትማሊ እውን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝገብርኡ ድርድር ትማሊ እውን ተሳሊጡ።

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ እቲ ዝተሳለጠ ድርድር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ኣመላልኣ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ፍፃመ ስራሕን ምስ ዝተትሓሓዙ ቴክኒካዊ ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ድርድር ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ቀዳማይ ምዕራፍ ከይዲ ኣመላልኣ ማይ ዝምልከት መምርሒን ሕጊን፣ ምምሕዳር እዋን ድርቂ፣ መፅናዕቲ ፅዕንቶ ድሕንነት እቲ ግድብን ማሕበራዊን ከባቢያዊን ኩነታት እቲ ግድብን እውን ድርድር ተገይሩሉ ኢዩ።

እቲ ድርድር ሎሚ መዓልቲ እውን ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ግድብ ህዳሰ ማይ ኣብ ዝሕዘሉ እዋንን ናብ ስራሕ እንትኣቲን ድርቂ እንተጋጢሙ እንታይ ዓይነት ምምሕዳር እዋን ድርቂ ክህሉ ይግባእ ኣብ ዝብል ድርድር ክግበር ኢዩ።

ኢትዮጵያ ምምሕዳር እዋን ድርቂ ብዝምልከት፥ እቲ ግድብ ማይ ሒዙ ናብ ስራሕ እንትኣቲ ድርቂ እንተጋጢሙ ሰለስቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ዝብል ቅዋማ ገሊፃ ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.