Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዳሜራ መስቀል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዳሜራ መስቀል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ኩሎም ኣካላት ፀፅታ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ እውም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ምክትል ኮሚሽነር ዘፈር ምርመራ ገበን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓሰን ነጋሽ ብግደኦም÷ እቲ በዓል ብሰላም ንከሓልፍ ዝደሊ ብዙሕ ህዝቢ ከምዘሎ ኮይኑ ድባብ እቲ በዓል ንምብልሻው ዝንቀሳቐስ ኣካል ከምዝህሉ እውን ሓቢሮም፡፡

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሕዚ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ፣ ኣባላት ጉጅለ ፅንፈኛ፣ ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ኣይ ኤስን ጉጅለ ራዕዲ ኣልሸባብን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ምግላፆም ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.