Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ዝገበረትሎም ፕሮጀክታት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝግበሩ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፀሐሎም ፕሮጀክታት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ካብ ቀረፅን ታሪፍን ናፃ ዕድላት ዕዳጋ ትኹት ተገይሩሎም ተግባራዊ ከምዝግበሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዩ ኣፍሊጦም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ÷ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ተመድ) ጎድና ጎድኒ ምስ ቻይና መዘነኦም ዋንግ ዩ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ዝተኻየደ 4ይ መድረኽ ቻይና ኣፍሪካ መድረኽ (ፎካክ) ጉባኤ መራሕቲ፤ ኢትዮጵያን ቻይናን ርክበን ዘጠናኽሩ ብዙሓት ስምምዕነታት ምፍርራመን ንርክበን ዝህበኦ ዕዙዝ ትኹረት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉባኤ ፎካክ ንኣፍሪካ ኢሉ እውን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኢትዮ-ቻይና ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ትፃወቶ ቁልፊ ግደ ዝነኣዱ ሚኒስትር ዋንግ ዩ ብግደኦም፥ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ”ናይ ኩሉ እዋን ስትራቴጂክ ምሕዝነት” ከምዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ መሰረት ከምዘንብር ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.