Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሶማሊያ ብወፃኢ ሓይሊታት ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር እታ ሃገር ኣብ ኢድ ግብረ ራዕዲ ክትወድቅ በሪ ዝኸፍት ኢዩ – ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ኣብ ዘይተረጋገአ ኩነታት ድሕንነት ብናይ ወፃኢ ሓይሊታት ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ንክትወድቅ በሪ ዝኸፍት ዝኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ህንፀት ሰላምን ጉዳያት ፖለቲካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮዝማሪ ዲካርሎ ተዛቲየን፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ትሕቲ ፅላል ውሕመ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኤጀንሲታት ምስ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ስራሕ ፈጢሮም እናተንቀሳቐሱ ምዃኖም ንኢዶም፡፡

ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ቀፃነት ዘለዎም ስሩዓት ምይይጣት ምግባር ከምዘድሊ ኣፅንዖት ሂቦም፡፡

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊን ኢትዮጵያ ንቅልውላው ሱዳን መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ዘተ ኢዩ ዝብል ቅዋም ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ጉዳይ ሶማሊያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያ ራዕዳውያን ንምውጋእ ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።

ኣብ ሶማሊያ ድህረ ስግግር ልኡኽቶ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ (ኣትሚስ) ዝህሉ ምውፋር ሓይሊ ግቡእ ግዘ ብምውሳድ ናይ ልኡኽቶ ሓላፊነት፣ መጠን፣ ፍልፍል ፋይናንስን ምውዳድን ብግቡእ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ኣብ ሶማሊያ ኣብ ዘይተረጋገአ ኩነታት ድሕንነት ብናይ ወፃኢ ሓይሊታት ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ክትወድቅ ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም፡፡

ሮዝማሪ ዲካርሎ ብግደአን÷ ኣብቲ ዞባን ካብቲ ዞባ ብዝዘለለን ውሕመ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ህንፀተ ሰላም ዝገብሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፀን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.