Fana: At a Speed of Life!

390 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 390 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኩሎም ተመለስቲ ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 7 ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ኢዮም፡፡

ንተመለስቲ ዜጋታት ግቡእ ሓገዝ ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን የመላኽት፡፡

ካብ 4 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናተወገነ ብዝርከብ ዜጋታት ናብ ሃገር ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 81 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.