Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኮሪያ ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኮሪያ ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ንመበል ሳልሳይ ግዘ ኣልዒላ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ግዘ ፅዋዕ ዓለም ምስ ዝዓተራ ሃገራዊ ጋንታታት ጀርመንን ኣሜሪካ ታሪኽ ክትካፈል ከምዝገበራ ተሓቢሩ።

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ፍፃመ ፀወታ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ንሃገራዊት ጋንታ ጃፓን 1 ን 0 ብምስዓር ኢያ ሻምፒዮን ክትከውን ክኢላ፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ሰሜን ኮሪያ ንኽትዕወት ብሕታዊት ሸቶ÷ ኣብቲ ውድድሩ ኮኸብ መቑፀሪት ሸቶን ኮኾብ ተፃዋቲትን ዝኾነት ቾይ ኢልሰን ኣመዝጊባታ፡፡

ዓወት ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ ሰሜን ኮሪያ÷ እታ ሃገር ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ካብ ዓለም ለኸ ውድድራት ስፖርት ንባዕላ ድሕሪ ምግላላ ንፈለማ እዋን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 30 ነሓሰ ክሳብ 22 መስከረም ኣብ ኮሎምቢያ ቦጎታ እናተኻየደ ዝፀንሐ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ትማሊ ምሸት ፍፃምኡ ረኺቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.