Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊጉ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መወዳእታ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ምስ ጋንታ ስሑል ሽረ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክፃወታ ኢየን።

ስሑል ሽረ ኣብዚ ዓመት ዳግም ናብቲ ውድድር ምምላሳ ዝዝከር እንትኸውን÷ ኣዳማ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ውድድር 44 ነጥቢ ብመሓዝ 7ይ ደረጃ ብመሓዝ ክትዛዝም ክኢላ ነይራ፡፡

ምሸት ሰዓት 1 ጋንታታት ድማ ሲዳማ ቡናን ሃዋሳ ከተማን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ክልቲአን ጋንታታ ኣብ ዘበነ ውድድር 2016 ዝተራኸባሎም ፀወታታታት ሃዋሳ ከተማ ሓደ ግዘ እንትትስዕር÷ ሓደ ግዘ ድማ ማዕረ ተፈላሊየን ነይረን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.