Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ምቕራፅ ኣጀንዳታት ንሃገራዊ ዘተ ጠመተ ዝግበረሎም ዛዕባታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ ምቕራፅ ኣጀንዳታት ንሃገራዊ ዘተ ጠመተ ዝግበረሎም ዛዕባታት እንታይ እንታይ ኢዮም?

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ዘተ ብምትእኽኻብን ብምቕራፅን ብዙሓት ተግባራት የካይድ ኢዩ።

እቲ ኮሚሽን ብቐንዱ ካብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገርን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ገልፂ፣ ሓቛፊን ኣሳታፊን ብዝኾነ መገዲ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ንቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን በቢኣወዳድብኡ ፈሊዩ ድሕሪ ምቕራቡ ንጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ይቐርፅ።

ኣብ ከይዲ እቲ ቀረፃ ኣጀንዳታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም መትከላት ዘለዉ እንትኾኑ፥ ንሳቶም እውን ከምዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ።

  1. ንጉባኤ ዘተ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ምምጣን
  2. ድምፆም ጎሊሁ ዘይስማዕ (minorities) ኣጀንዳታት ክፋላት ማሕበረሰብ ብኣግባቡ ምክታቶም ምርግጋፅ
  3. ኣዝዩ እዋናዊ ንዝኾነ ጉዳይ ቀዳምነት ምሃብ ዝብሉ ኢዮም
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.