Fana: At a Speed of Life!

ካብ ካሳንቺስ ንልምዓት ዝተለዓሉ ሰባት 239 ኮንዶሚኒየምን 110 ናይ መንግስቲ መንበሪን ዕፃ ኣውፂኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክ/ከተማ ቂርቆስ ካብ ከባቢ ካሳንቺስ ንልምዓት ዝተለዓሉ ሰባት 239 ኮንዶሚኒየምን 110 ናይ መንግስቲ መንበሪን ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ተኻይዱ።

ኣብ ውሽጢ ስዱሽተ መዓልቲታት ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ 742 ተለዓልቲ ልምዓት ካሳንቺስ ናይ መንግስቲን ኮንዶሚኒየምን መንበሪ ገዛ ዕፃ ብምውፃእ ገዛ እናተረከቡ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር የመላኽት።

ካብ ሞንጎ ዝወፅአ ዕፃ እቲ 503 በዓል ሓደን በዓል ክልተ መደቀሲ መንበሪ ገዛ መንግስቲ ከምኡ እውን 239 ስቱዲዮ ኮንዶሚኒየም ገዛውቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣቃቂ፣ ቦሌ ኣራብሳ፣ ገላን፣ ፈረንሳይ ጉራራን ጃርሶን ሳይት መንበሪ መንደራት ንዕድለኛታት ተበፃሒ እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.