Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትሕብባር ምርምር ኣፍሪካ ን1 ዓመት ንኽትመርሕ ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትሕብባር ምርምር ኣፍሪካ (ኤኤፍኣርኤ) ንሓደ ዓመት ንኽትመርሕ ተሓሪያ።

ኤኤፍኣርኤ ሃገራት ኣፍሪካ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኒውክሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1990 ዝመስረተኦ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን 44 ኣባል ሃገራት ብምክታት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ መበል 35 ኣኼባ ጉጅለ ቴክኒክ ኤኤፍኣርኤ ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስንዳኣ ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ካብ 9 መስከረም 2017 ጀሚሩ ንዞባዊ ምትሕብባር ምርምር ኣፍሪካ ንሓደ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ንኽትመርሕ ተመሪፃ ኣላ፡፡

እቲ ሕርያ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እናተሳተፉሉ ኣብ ዝርከብ መበል 68 ዓመታዊ ጉባኤ ኢንተርናሽናል ኣቶሚክ ኢነርጂ ኤጀንሲ ጎድና ጎድኒ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ንኢትዮጵያ ብምውካል ንሓደ ዓመት ኤኤፍኣርኤ ብኣቦ መንበርነት ንምምራሕ ካብ ኣልጀሪያ ሓላፊነት ተቀቢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.