Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጅ ኣቶሚክ ንኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጂ ኣቶሚክ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕክምና፣ ትምህርቲን ካልኦት ዓውዲታትን እናወገነቶም ንትርከብ ተግባራት ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦስትሪያ-ቬና ኣብ ዝተኻየደ መበል 68 ዓመታዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጂ ኣቶሚክ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተሳቲፋ፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ቅድሚ ሕዚ ምስቲ ኤጀንሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምትሕብባር ቴክኒክ ብምፅራሕ÷ ኢትዮጵያ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ቀፃሊ ብዝውግኖም ቀነዲ ቀንዲ ምትሕብባራት ቴክኒክ ተረባሒት ንኽትከውን ሓቲቶም፡፡

ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብምጉልባት ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግን ሓይሊ ብዝበለፀ ተረባሕነት ከረጋግፁ ኣብ ዝኽእሉ ስራሕቲ÷ ኢትዮጵያ ፃዕሪ ምግባር ከምትቕፅል ብንግላፅ፤ እቲ ኤጀንሲ እዚ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንኽድግፍ ፀዊዖም።

መበል 68 ጉባኤ ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ ትኹረት ዝገብር “Atoms4Food” ዝተሰነየ ሓዱሽ ኢኒሼቲቭ ዕላዊ ምግባሩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.