Fana: At a Speed of Life!

ብሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ እንተይተጀመሩ ዝፀንሑ ፕሮጀክታት ኣብዚ ዓመት ክጅመሩ ኢዮም – ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንኢንዱስትሪታት መቀነባበሪ ሕርሻ ሓይሊ ንምቕራብ ብትልሚ ተታሒዞም ዝነበሩ ፕሮጀክታት ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ንምጅማር እናተሰርሐ ምዃኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ዘፈር መምርሒ ክትትልን ቁፅፅርን ኣፈፃፅማ እቲ ትካል ኣክሊሉ ታረቀኝ ከምዝገለፁዎ÷ ንመቀነባበሪ ፋብሪካታት ሕርሻ ደብረ ማርቆስ-ቡሬ፣ ገንዳ ኣርባ፣ ወይናታን ጎንደር-ዳንሻ- ሑመራ – ባዕከር ሓይሊ ዘቕርቡ ፕሮጀክታት ንምህናፅ ዘድሊ ሸርፊ ወፃኢ ብዘይምርካቡ እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን እንተይተጀመሩ ፀኒሖም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት ንምጅማር ዘኽእል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት እውን ቀረብ ሓይሊ ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ደብረ ማርቆስ – ቡሬ፣ ገንዳ ኣርባን ወይናታ ንምጅማር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሕዚ ብዝተረኸበ ሸርፊ ወፃኢ ሰለስቲኦም ፕሮጀክታት ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ከምዝጅመሩ ምርግጋፆም ሓበሬታ እቲ ትካል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.