Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መትከል እዚ ቀጣና መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምክያድ ባህጊ ኣለዋ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መትከል እዚ ቀጣና መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምክያድ ባህጊ ኣለዋ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥  ኢትዮጵያ እዚ ቀጣና ዓውዲ ህውከትን ዕግርግርን ንምግባር ዝግበር ምንቅስቓስ ደው ክብል ይግባእ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላምን መሰረተ ልምዓትን ዝተዛመደ ጉርብትና ነክህሉ ንቑሕ ተሳትፎ ትገብር ከምዘላ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ንዘበግሶ ሓሳብ ምላሽን እንካኣዝግነኒን ከምዘይትገጥም ብምግላፅ፥ ቀርኒ ኣፍሪካ ዓውዲ ዕግርግርን ህውከትን ንምግባር ዝረኣዩ ምንቅስቓሳት ግን ደው ክብሉ ይግባእ ኢሎም።

መትከላት ኢትዮጵያ ፀገማት ብዝሰኸነ ኣገባብ ምፍታሕ ዝብል ኢዩ እውን ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ ጉዳይ መስመር ንክስሕት ንምግባር ዝውርወሩ ሓሳባት ግቡእ ኣይኮኑን ክብሉ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.