Fana: At a Speed of Life!

ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ቱሪዝም ኢጋድ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ቱሪዝም ኢጋድ ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ቱሪዝም ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ፍኖተ ካርታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ሃወፅቲ ቁፅሮም ክብ ንምባል ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኢሉውን ሚኒስትራት ኢጋድ ተረኺቦም።

ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ዝኾነ መዕባለ ቱሪዝም ንክምዝገብ ፍኖተ ካርታ ዘላቒ ቱሪዝም ኢጋድ ሓጋዚ ኢዩ ኢሎም።

ሓበራዊ ተረባሕነት ቱሪዝም እዚ ቀጣና ብምትሕብባር ንክምዕብል ኢጋድ ግድኡ ይዋፃእ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.