Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተ ዘይሕጋዊ ፍሪያታት ከረሜላ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕሉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስተ ዘይሕጋዊ ፍሪያታት ከረሜላ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕሉ ከምዝተኣገዱ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተኣገዱ፥ ሃኒ ስዊት፣ ላቭሊ ካንዲን ጎግል ካንዲን ዝተብሃሉ ፍሪያታት ከረሜላ ኢዮም።

መን ከምዘፍረዮም፣ ኣበይ ሃገር ከምዝፈረዩን ኣድራሻ ኣፍራይን ዘይፍለጡ ስለዝኾኑ፥ ሕብረተሰብ ንከይጥቀመሎም ዝተኣገዱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ጥዕና ዝጎድኡ ተመሳሰልቲ ፍሪያታት አንተጋጥምዎ ብናፃ መስመር ስልኪ 8482 ወይ ኣብ ቀረብኡ ኣብ ዘለዉ ትካላት ተቖፃፀርቲ እታዎታት ጥዕና ወይ ፖሊስ ሓበሬታ ንክህብ እቲ በዓል መዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.