Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ንሃገራት እቲ ዞባ  ብፅቡቕ መርአዪ ዝፅርሑ ኢዮም – ሓለፍቲ ቱሪዝም ኣባል ሃገራት ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ንሃገራት እቲ ዞባ  ብፅቡቕ መርአዪ ዝፅርሑ ከምዝኾኑ ሓለፍቲ ስራሕ ዓውዲ ቱሪዝም ኣባል ሃገራት በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ ዓውዲ ቱሪዝም ኣባል ሃገራት ኢጋድ÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ እንጦጦ ፓርክን ሳይንስ ሙዚየምን ዑደት ገይሮም።

ብዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ዝተሰናደአ ዑደት ብምትሕብባር ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ ኢጋድን ኮሚሽን ምትሕብባር ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ሓለፍቲ÷ ዝተዓዘቡዎም መስሕብ ቦታታት ቱሪዝም መዲና ኣፍሪካውያን ንዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነበሩዋ ነባር ሓድጊታት ሓሊፉ ንልምዓት እቲ ዓውዲ ዝኾኑ ዝነኣድ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ህንፀታት ቱሪዝምን መሰረተ ልምዓትን እታ ከተማ ፅቡቕ ምስሊ ዘላበሱን ንሃገራት እቲ ዞባ ብፅቡቕ ኣርኣያ ዝፅርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.