Fana: At a Speed of Life!

ፖርቹጋል ዘጋጠማ ማዕበል ባርዕ ሓዊ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖርቹጋል ዘጋጠማ ካብ ቁፅፅር ወፃእ ዝኾነ ማዕበል ባርዕ ሓዊ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝኣወጀት ኣፍሊጣ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ፖርቹጋል ብዘጋጠመ ማዕበል ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ፖርቹጋል ሉዊስ ሞንቴኔግሮ ዝኸፍአ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝኣወጁ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜናዊ ፖርቹጋል ዝተወለዐ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምክልኻል ልዕሊ 1 ሺሕን ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ተዋፊሮም ተባሂሉ፡፡

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖምን ንብረቶም ዝተቓፀሎምን ዜጋታት መንግስቲ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ዝኣተዉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ፖሊስ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንኸፃሪ ትእዛዝ ሂቦም፡፡

ኣገልግሎት ሳተላይት ኮፐርኒከስ ኣውሮፓ ከምዝሓበሮ÷ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ 15 ሺሕ ሄክታር ዝኸውን ከባቢ ከማዘካለለን 210 ሺሕ ዝኾኑ መንበሪ ኣባይቲ በቲ ሓደጋ ጉድኣት በፂሑዎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.