Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪታት ንፅህቲ ኢትዮጵያን ሓምለዋይ አሰርን ጥዑይ ዜጋ ንምፍጣር ወሰንቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪታት ንፅህቲ ኢትዮጵያን ሓምለዋይ አሰርን ጥዕንኡ ዝተሓለወን አፍራዪን ዜጋ ንምፍጣር መሰረት ዘንብሩ ወፍሪታት ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

ምቹው መንደርን ንፅህቲ ሃገርን ምፍጣር ዜጋታት ተመሓላለፍቲን ተመሓላለፍቲ  ካብ ዘይኮኑን ሕማማት ንኸሕለዉ ከምዝገብር እውን እተን ሚኒስትር ኣገንዚበን፡፡

በዚ ድማ ትካለን ብእግረኛ መገዲታት ደረጀኦም ዝሓለዉ መናፅሂ ቦታታት ብምህናፅ ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡

ወፍሪ ንፅህቲ ኢትዮጵያ መናፅሂ ቦታታት ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ልምዲ ኣመጋግባን አነባብራን እንተይተረፈ ንምልዋጥ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

“መርሃ ግብሪታት ንፅህቲ ኢትዮጵያን ሓምለዋይ አሰርን መፍረዪ ዜጋ ንምፍጣር መሰረት ዘንብሩ ወፍሪታት ስለዝኾኑ፤ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብዚ መዳይ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ኢለን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.