Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኤሌክትሮኒክ መለክዒ መንግስቲ ደረጃኣ ኣመሓይሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ለኸ ኤሌክትሮኒክ መለክዒ መንግስቲ ደረጃኣ ኣመሓይሻ።

በቢክልተ ዓመት ዝመፅእ ዓለም ለኻዊ መለክዒ ኢ-መንግስቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ኣብ ኒዮርክ ጎድና ጎድኒ ኣኼባ እቲ ውድብ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ዓለም ለኻዊ መለክዒ ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ሃገራት ዓለም በቢክልተ ዓመት ብመንፅ ካልኦት ሃገራትን ባዕለብ ብዘርአየኦ ዕቤትን ብምንፅፃር እተን ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ዝገበረኦም ምምሕያሻት ኢሉ እውን ዘመዝገበኦም ለውጢታት ዘርኢ ኢዩ።

ብመሰረት ዓለም ለኸ ፀብፃብ ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ÷ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ 10 ደረጃታት ክተመሓይሽ ክኢላ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.