Fana: At a Speed of Life!

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም።

መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2016ን ትልምሚ 2017 በጀት ዓመትን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ተኻይዱ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ክልል ውሕስና ምግቢ ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ብዕቱብ እናተሰርሐሎም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ቀንዲ ዛዕባታት ሓደ ኢዩ።

መንግስቲ ሕርሻ ንምዝማን ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ቀረብ እታወት ሕርሻ ብምምሕያሽ፣ ሕርሻ ኣብ ምዝማንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ከምኡ እውን ኣብ መሰል ዓውዲታት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ክልል ዘሎ ውሱን ሃፍቲን ዓቕሚን ብምጥቃም ተረባሕነት ሓረሰቶት ንምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ እውን ኣልዒሎም፡፡

በቢብርኩ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ተግባሮም ዝልካዕ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብምስራሕ ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም፡፡

“ሙሉእ ዓቕሚና ልምዓትን ምጥንኻር ዳግመ ህንፀትን ክኸውን ኣለዎ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ውሕስና ምግቢ እቲ ክልል ንምርግጋፅ ኣብ ልምዓት እንስሳን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት መስኖን ሕርሻ ኣብ ምዝማንን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.