Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 8 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 8 ሚሊየን እንትበፅሕ ኣርባዕተ ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ካፍቲ ሕማም ድሒኖም ተባሂሉ።

ኣብ መላእ ዓለም በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 8 ሚሊየን 13 ሺሕን 893 ዝበፅሕ እንትኸውን፥ ካብዚኣቶም ድማ እቶም 435 ሺሕን 987 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 4 ሚሊየን 137 ሺሕን 538 ሰባት ከምዝሓሾም እውን ሓበሬታ ዎርልድ ኦሜትር ዶት ኢንፎ የረድእ።

ኣብ ኣሜሪካ በቲቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 2 ሚሊየን 162 ሺሕን 228 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ 117 ሺሕን 858 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

ብብርኪ ኣህጉር ኣፍሪካ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ልዕሊ 246 ሺሕ ኮይኖም ኣለዉ።

በቲ ተላባዲ ሕማም ተታሒዞም ዝነበሩ 113 ሺሕ ኣፍሪካውያን ዝሐሾም እንትኸውን፥ 6 ሺሕን 560 ሰባት ድማ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 3 ሺሕን 345 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ 57 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.