Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ካብ መናእሰይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ካብ መናእሰይ ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብቶም መናእሰይ፦

  • ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብምጥቃም ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምሀርቲን ከባቢ መንበሪ ኣባይቲን ብምእካብ ሓሳቦም ምክፋልን ምምዕባልን
  • ዘተን መደረን ብዘተባብዕን ምክብባር መትከል በዝገበረ መልክዑ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ምምዕባል
  • ብርህራሀ፣ ብምድምማፅ ዘይረዳድኡሎም ዛዕባታት ብምፍላይ ንሃገራዊ ዘተ እታዎት ንክኾኑ ምሃብ
  • ብስነ-ልዝብ እኹል ግንዛበ ብምውሳድ ካልኦት ዜጋታት ናይ ሃገራዊ ዘተ ዘለቔታነት ንክርድኡ ምግባር
  • ሃገራዊ ምርድዳእ ክግበረሎም ይግባእ ዝበሃሉ ዛዕባታት ብምፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኢንተርኔት ሓላፍነት በዝተመልኦ መገዲ ሓሳብ ምክፋልን ምዝታይን
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ዘተታት ዘማዕበሉዎም ሓሳባት ኣጀንዳ በጉጅለ ወይ ብውልቀ ብምዃን ነቲ ኮሚሽን ምቕራብ (ብኣካል፣ ኢ-ሜየል፣ ፖስታን ድረ-ገፅን)

ኣጀንዳ ንምሃብ፦

  • ብድረ ገፅ፡- ብቑፅሪ ሳፁን ፖስታ 32623 ኣዲስ ኣበባ ወይ
  • ኢሜል፡ contact@ethiondc.org ወይ
  • ብድረ-ገፅ እቲ ኮሚሽን፡ https://ethiondc.org.et ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።

ኢትዮጵያ ትመክር ኣላ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.