Fana: At a Speed of Life!

ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ደርቢ ሰሜን ለንደን ከተኣናግድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ደርቢ ሰሜን ለንደን ሓዊሱ ክልተ ፀወታታት ከተኣናግድ ኢዩ።

ኣብ ደርቢ ሰሜን ለንደን ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንጋንታ ርሰናል ተተኣናግደሉ ፀወታ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ክካየድ ኢዩ።

ሰዓት 12፡30 ድማ ዎልቭስ ንኒውካስል ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻዱ ፀወታታት እቲ ሊግ÷ ማንቼስተር ዩናይትድ ንሳውዝሃምፕተን 3 ን 0፣ ማንቼስተር ሲቲ ንብሬንትፎርድ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊተን ኢየን።

ኣስቶንቪላ ንኤቨርተን 3 ን 2 ከምኡ እውን ቼልሲ ንቦርንማውዝ 1 ን 0 ተዓዊተን።

ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ብኖቲንግሃም ፎረስት 1 ን 0 እንትትሰዓር፤ ብራይተንን ኢፕስዊች ታውንን 0 ን 0፣ ክሪስታል ፓላስን ሌስተር ሲቲን 2 ን 2 ከምኡ እውን ፉልሃምን ዌስትሃም ዩናይትድን 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.