Fana: At a Speed of Life!

እንታይነትን ሳዕቤንን ምልቆ ማህፀንን  ፌስቱላን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ምልቆ ማህፀን (Pelvic Organ Prolapse) እንታይ እዩ? ናይ ማህፀን ፌስቱላ (Obstetric Fistula) ኸ እንታይ እዩ?

ምልቆ ማህፀን (Pelvic Organ Prolapse) ማለት ኣካላት ማህፀን ካብ ንቡር ኣቀማምጣኦም ብምውራድ፣ ብምንሽርታት ክወድቕን ወይ ናብ ደገ ዘይንቡር አብ ማህፀን ከባቢ ፀቕጢ ብምፍጣር ሽንቲ ምፍሳስ፣ ሽንቲ ካብ ቁፅፅር ውፃኢ ምዃንን፣ ሽንቲ ምቁርራፅን ስቃይን ካልኦት ናይ ጥዕና ሳዕቤናት ዝፈጥር ኢዩ።

እዚ ሕማም ድሕሪ ሕክምና መንሽሮ ወይ ካንስር ማህፀን፣ ብስሩዕ ብበዝሒ ሕርሲ፣ ነዊሕ ግዜ ከቢድ ነገር ብምልዓል፣ ብሰንኪ ዕድመ ካብቶም መበገሲታቱ ተረቋሕቲ ኢዮም።

ምልቆ ማህፀን ዝፍጠር ጭዋዳታትን ቲሹታትን ለዕል ክብል ብዝተጠቐሱን ካልኦትን ምኽንያታት ኣቢሉ፥ እቶም ጭዋዳታትን ቲሹታትን አካላት ማህፀን ክድግፉ ምስ ዘይኽእሉ ወይ ክዳኸሙ ከለዉ ዝፍጠር እዩ።

ፌስቱላ (Obstetric Fistula) ማለት ድማ አብ ውሽጢ ኣካላትና ዘጓንፍ ንቡር ዘይኮነ ክፍተት እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰውነትና ክፍልታት ከጋጥም ዝኽእል እዩ።

ፌስቱላ ምስ ወሊድ ተኣሳሲሩ ኣብ ሞንጎ ማህፀንን ፍሕኛን (ከረጢትን ሸንትን) ወይ ድማ ኣብ ሞንጎ ማህፀንን ፍታን መዉፅኢ ትቦን ክፍጠር ዝኽእል እንትኸውን፥ ሸንቲ፣ ፍታን ወይ ክልቲኡ ሸንትን ፍታንን ዘይምቁፅፃር ፀገም የስዕብ።

ብዙሓት ኣዶታት፣ ወለድን ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ምልቆ ማህፀንን (Pelvic Organ Prolapse) ፌስቱላን (Obstetric Fistula) ምልክታታት እንትርእያ ንሓኪም ከዘራርባ/ክሓታ ብዘይምኽኣል፣ ምልክታተን ከም ንቡር ብምሕሳብን ብዘይምፍላጥን ወይ ድማ ንባዕለን ካብ ስድራ ቤተን ብምግላል ንነዊሕ ዓመታት ዝሳቐያ ከምዘለዋ ዝተፈላለዩ ገዛ ንገዛ ብዝተገበሩ መፅናዕቲታት የመላኽቱ።

ስለዝኾነ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት እቲ ክልል ብወፍርን ስሩዕን  ነፃ ኣገልግሎት ሕክምና ምልቆ ማህፀን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሕብረተሰብና ሕማም ምልቆ ማህፀን ብሕክምና፣ ለውጢ ኣመጋግባን ኣነባብራን ወይ መጥባሕቲ ዝፍወስ ብምዃኑ ፈሊጡ ኩለን ግዳይ ምልቆ ማህፀን ዝኾና ወይ ፀገም ዘለወን ደቂ አንስትዮን ኣዴታትን ናብ ትካላት ጥዕና  ብምኻድ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ኩሉ ዝምልከቶ ክሰርሕን ከምዝግባእ ኣብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ነዝደሊ ነፃ መስመር ስልኪ 6244 ብምድዋል ክሓትት ከምዝግባእ እወን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.