Fana: At a Speed of Life!

ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ኣርሰናል ንምፅናሕ ዘኽእሎ ውዕሊ ኣናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ኣብታ ጋንታ ንተወሰኽቲ ዓመታት ዘፅነሖ ውዕሊ ኣናዊሑ፡፡

ብመሰረት እዚ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ንተወሰኽቲ ሰለስተ ዓመታት ንምፅናሕ ዘኽእሎ ክታም ምንባሩ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፡፡

ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ኣብ ዝሃ ርኢቶ ድማ÷ ኩንትራት ብምንውሑ ትኽክለኛ ውሳነ ከምዝኾነ ብምግላፅ በዚ ድማ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ተዛሪቡ፡፡

እቲ ኣሰልጣኒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ታሕሳስ 2019 ናብ ጋንታ ኣርሰናል ከምዝተፀምበረ ይፍለጥ፡፡

ኣርሰናል ኣብ ዘበነ ውድድር 2022/23 ን 2023/24 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ዝዝከር እንትኸውን÷ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሓት ዓመታት ዝተረኸበ ልዑል ውፅኢት ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.