Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝለዓለ ብቕዓት ዘኻበቱ ሰብሞያ ንምፍራይ ዘኽአለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሲቪል ይኹን ሃይድሮ ሜካኒካል ስራሕቲ ዝዓዘዘ ብቕዓት ዘኻዕበቱ ሰብ ሞያ ከፍሪ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት እቲ ግድብ ኤፍሬም ወልደኪዳን (ኢ/ር)÷ እቲ ፕሮጀክት ንኽዕወት ካብ ዲዛይን ጀሚሩ ክሳብ ህንፀቱ ግደ ኢትዮጵያውያን ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣዘኻሮም።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት እንትጅመር ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 15 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ከይዲ እቲ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ እናተሳተፉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ቀትሪን ለይቲን ብትግሃት ብምስራሕ ዘለኣለማዊ ኣሰሮም ብምንባር ዘኹርዕ ተግባር ከምዝፈፀሙ ገሊፆም።

ኣብ ነዊሕ ዓመት ልምዲ እቲ ህንፀት ብመዓልታዊ ሰራሕተኝነት ዝጀመሩ ብዙሓት መናእሰይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ፎርማን ክሳብ ሱፐርቫይዘርነት ከምዝቨፅሑ እውን ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ብሲቪል የኹን ኣብ ሃይድሮ ሜካኒካል ስራሕቲ ዕዙዝ ብቕዓት ዘኻዕበቱ ብዙሓት ሰብ ሞያ ከፍሪ ከምዝኸኣለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.