Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህዝቢ ንፅባሕ ሎሚ ዝሃነፀሉ ሓበራዊ ውፅኢት ኢዩ – ክፍሌ ሆሮ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ኮይኖም ንፅባሕ ሎሚ ዝሃነፀሉ ሓበራዊ ውፅኢት ኢዩ ክብሉ መካዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ክፍሌ ሆሮ (ኢ/ር) ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ፈተናታት ሓሊፉ ኣብ ምዝዛም ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ዝገፁ ክፍሌ ሆሮ (ኢ/ር) ÷ ኢትዮጵያውያን ሓራዊ ሃፍቶምን ኣርማ ሓድድነቶምን ንዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልዑል ርብርብ ገይሮም ኢዮም ኢሎም።

ተምሳሌት ሕብረት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ሓፈሻዊ ከይዲ ህንፀቱ 96 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውሳነታት ፈተና ኣንጸላሊዩዎ ከምዝነበረ ብመዝኽኻር፥ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብቕልጡፍ ዝወሰዶም ስጉምቲታት እቲ ፕሮጀክት ዳግም ህይወት ከምዝዘርአ ኣብሪሆም፡፡

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ኮይኖም ንፅባሕ ሎሚ ዝሃነፀሉ ሓበራዊ ውፅኢት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.