Fana: At a Speed of Life!

እዚ ምብራቕ ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ክዋፃእ ኣብ ዘኽእል ብርኪ ምድላው ይርከብ – ሌ/ጀ መሃመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 206 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምብራቕ ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ክዋፃእ ኣብ ዘኽእል ብርኪ ምድላው ይርከብ ኣዛዚ እቲ እዚ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።

ሌ/ጀ መሓመድ ተሰማ ከምዝበሉዎ÷ እዚ ምብራቕ ከበድቲ ሃገራዊ ወፍሪታት ብዘተኣማምን መልክዑ ክዋፃእ ዝኽእለሉ ወታደራዊን ስነ-ልቦናዊን ብርኪ ድልዉነት ብዝለዓለ ናይ ምፍፃም ብቕዓት ይርከብ፡፡

እቲ እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ተዋፊሩ ከበድቲ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ወፍሪታት ብዘተኣማምን መልክዑ ንኽዋፃእ ዘኽእል ወታደራዊን ስነ-ልቦናዊን ድልዉነት ከምዝርከብ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዚ ምብራቕ ነባርን ነዊሕን ዕድመ ዘለዎ ብብዪ እዚ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ዝወሃቦ ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ብዓወት ዝድምድም ንኽኸውን ኩነታት ፀፅታ እቲ ዞባ ዘገናዘቡ ተግባራት ክውግን ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

እቶም ሌተናል ጀነራል ኣብ ቀፃሊ ዓቕሚ ምፍፃም እቲ ሰራዊት ብዝበለፀ ደንፊዑ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ምግንዛቦም ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.