Fana: At a Speed of Life!

ዝሓሸ ውፅኢት ንክምዝገብ ብሓባር ደው ብምባል ንዝሓሸ ስራሕ ክንዳሎ ኣለና- ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ዝሓሸ ውፅኢት ንክምዝገብ ብሓባር ደው ብምባል ንዝሓሸ ስራሕ ክንዳሎ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ሎሚ 4 ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ዝኽበር ዘሎ “መዓልቲ ህብር” ኣኽቢሩ።

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፥ 2016 ዓ.ም ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማሲ ውፅኢት ዘመዝገበትሉ ዓመት ኢዩ ኢሎም።

እዚ ውፅኢት ዝተረኸበ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሓላፍነቶም ኣብ ምውፃእ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ከም ትካል ድማ ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ብኣግባቡ ብምምራሕን ዜጋታት ትኽክለኛ መረዳእታ ንክበፅሖም ኣብ ምግባር፣ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ብምግላፅ፣ ናይቲ ኮሚኒኬሽን መሓዉር ዝተናበበ ስራሕቲ ንክስራሕ ብምኽኣሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ትካል ኣባል ዝኾነትሉ ዓመት ብምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ብኢንዱስትሪ ዝተሓባበሩ መንግስታት ናይ ኢንዱስትሪ ልምዓት ዘረጋገፀ ውፅኢት ከምዝተረኸበ፣ በምግቢ ዓርስኻ ኣብ ምኽኣልን  ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መረጋገፂ ዝተውሃበሎም ውፅኢታት ተረኺቦም ኢዮም ኢሎም።

ከም ሃገር ልዕሊ 500 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ምፍራይ ከምዝተኽኣለ ኣዘኻኺሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.