Fana: At a Speed of Life!

” ህብር ንሰላም”

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሕና ኢትዮጵያውያን ክብሪታት ሓድነትን ምክእኣልን ኣለዉና። ንነዊሕ ዓማውቲ ብሓባር ብምዃን ዝፀናሕና፣ ብሓበራዊ ተጋድሎና ዘኹርዕ ታሪክ ዘመዝገብና፣ ዘጋጠሙና ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀገማት ብሓባር ዝመከትናን ብሕብረት ዝነበርናን ህዝብታት ኢና።

ልዑል ናይ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ውህደትን ጠንካራ ዝምድናን ዘለና ህዝብታት ኢና። ብመርዓን በዝተፈላለዩ ናይ ደምን ስጋን ዝምድና ብዝተሃነፁ ናይ ሓድነት ክብሪታት ዝተጋመድና ምዃንና ማንም ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ህብረብሄራዊነት ካብ ውሽጢ ብዙህነት ዝውለድ ናይ ምክብባር፣ ምክእኣል፣ ምትሕስሳብ፣ ናይ ሕውነትን ሓድነትን ቀለም ኢዩ።

ኢትዮጵያ ዝደመቐቶ፣ ዝማዕረገቶ ካብ ውሽጢ ብዙህነት ብዝተውፃእፅኡ ባህሊታት፣ ልምዲታት፣ ስርዓታት፣ ቋንቋታትን ማንነታትን ኢዩ። ካብ እዚኣቶም ሓደ አንተጎዲ ኢትዮጵያዊነት ይድብዝዝ ኢዩ።

ህብረብሄራዊነት ንዘላቒ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ምጉልባት ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ።ህብረ ብሄራዊነት ንዘጋጥሙና ናይ ውሽጢን ግዳምን ፈተናታት ኩሉ መገዲ መፍትሒ ኢዩ።

ብሕብረት እንትንስለፍ ንዘላቒ ሰላምናን ሓድነት ሃገርን ፀረ ዝኾኑ ዛዕባታት እንተጋጥሙና ንምምካት ዓቕሚ ንረክብ ኢና። ዘጋጥሙና ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ንምቕራፍን ብዘላቕነት ንምፍታሕን ጉልበት ይህልወና።

ስለዝኾነ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብምምካት ሃገርና ምስ ሙሉእ ክብራ ንቐፃሊ ትውልዲ ናይ ምሽጋር ሓላፍነት ከምዘለና ብምርዳእ ተጊህና ክንሰርሕ ይግባእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.