Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብደምን ዓፅሚን ዝፀንዐት ካብ ኣቦታት ዝተረከብናያ ሉኣላዊት ሃገር ኢያ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገርና ኢትዮጵያ ብደምን ዓፅሚን ዝፀንዐት ካብ ኣቦታት ዝተረከብናያ ሉኣላዊት ሃገር ኢያ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ “ሎሚ መዓልቲ 3 ጳጉሜን ኣብ መዓልቲ ሉኣላዊነት “ህብር ንኩለመዳይ ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሃሳብ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ምስ ዝወፅአ ነባሪ ከተማናን ሓይሊ ፀፅታናን ኣብ ኣደባባይ መስቀል ብድምቀት ኣኽቢርና” እለን፡፡

ኩለመዳይ ሉኣላዊነት ሃገርና ኢትዮጵያ ብደምን ዓፅሚን ዝፀንዐት ካብ ኣቦታት ዝተረከብናያ ሉኣላዊት ሃገር ኢያ ክብላ እውን ኣብሪሀን፡፡

“ንሃገርና ኢትዮጵያ መስዋእቲ ደም ብምኽፋል ዝረኸብናዮ ሉኣላዊነት፤ ረሃፅና ኣፍሲስማ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ንምኽባር ሕዚ እውን ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ” ክብላ ኣገንዚበን፡፡

ሉዓላዊነትን ማረጋገጥ በሀሳብ መግባባት ብቻ ሳይሆን ከፍተኛ የሃላፊነት ስሜትና ቁርጠኝነት የሚጠይቅ ጉዳይ መሆኑንም አስገንዝበዋል፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ሉኣላዊነት ከንቲባ ከድር ጁሃር ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ምስ ሙሉእ ናፅነታ ዝተረከብናያ ሃገር ብዘዓዘዘን ብዝተማለአን ናፅነት ንዝመፅእ ወለዶ ንምርካብ ብዘይምልጋም ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.