Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ጉባኤ ቻይና-ኣፍሪካ ተኻፊሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ጉባኤ ቻይና-ኣፍሪካ ተኻፊሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ቻይና ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ምትሕብባር 10 ዓውዲታት ዕላዊ ምግባራ ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እዚኣቶም፥ ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ፣ ጥዕና፣ ገብርና፣ መራኸብቲ ልምዓት፣ ሓምለዋይ ልምዓትን ድሕንነትን ተረቋሕቲ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ዝተገለፁ ዓውዲታት፥ ኢትዮጵያ ካብቲ ማዕቐፍ ምትሕብባር ነክትርባሕ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.