Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይኑ እውን ቅልጡፍ ዕቤት ከምዘመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይኑ እውን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ቅልጡፍ ዕቤት ከምዘመዝገበ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ልዑል ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ቻይና ኣብ ቤጂንግ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብ ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ዘለዋ ካፒታል ዕዳጋ፣ መመሓየሺታት ኢኮኖሚን ካልኦት ኩነታትን ነቲ ኢንቨስትመንት ምቹውቲ ከምዝገብራ ብምግላፅ÷ ልምዓት ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ምፍራይን ካልኦት ዓውዲታትን ዘዋፅኡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.