Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ካብ 1 መስከረም ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ካብ ፻ መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ሽፈራው ተሊላ (ኢ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 እቲ ትካል 42 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ በጀት ዓመት ን427 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ እውን ገሊፆም፡፡

ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ካብ 1 መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ብምግላፅ÷ ካብ 50 ኪሎ ዋት ክሳብ 200 ኪሎ ዋት ዝበፅሕ ዝጥቀሙ ዓማዊል ድጎማ ከምዝግበረሎም ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት እዚ 50 ኪሎ ዋት ዝጥቀሙ ዓማዊል 75 ሚኢታዊ ናይቲ መመሓየሺ ታሪፍ፣ ካብ 50 ክሳብ 100 ኪሎ ዋት ዝጥቀሙ ዓማዊል 40 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ካብ 100 ክሳብ 200 ኪሎ ዋት 40 ሚኢታዊ ድጎማ ከምዝግበረሎም ኣመልኪቶም፡፡

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.