Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ 6ይ ክልላዊ መረፃ ብእዋኑ ንኽካየድ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መረፃ ትግራይ 2012 ዓ.ም ሕጊ ተኸቲሉ ኣብ እዋኑ ክካየድ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘሳለጦ 5ይ ዘበን 7ይ ህፁፅ ጉባኤይኡ፥ 6ይ ክልላዊ መረፃ ክካየድ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መኸተ ቫይረስ ኮረና ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቒቕ መርሚሩ ዘፅደቐ እንትኾን፥ ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ካብ ሰነ 17 ጀሚሩ ንዝቕፅል ክልተ ወርሕን ፈረቓን ክቅፅል ወሲኑ ኣሎ።

ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንኽናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር።

ኣብዚ ሰሙን ስሩዕ ኣኸብኡ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እውን ስግኣት እቲ ተላባዲ ሕማም ተቐሪፉ ሃገራዊ ክልላዊን መረፃ ክሳብ ዝሳለጥ ስልጣን ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ስረሖም ይቐፅሉ ክብል ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.