Fana: At a Speed of Life!

ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡራጋዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ።

ወዲ 37 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሱዋሬዝ÷ ሃገሩ ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ፓራጓይ ትገብሮ ፀወታ ናይ መወዳእታ ፀወታኡ ከምዝኸውን ገሊፁ፡፡

ንሃገራዊት ጋንትኡ 142 ፀወታታት ተሰሊፉ 69 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ኡራጓይ ይገብሮ፡፡

ሱዋሬዝ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ምግላሉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ብንብዓት ዝተዓጀበ መብርሂ÷ “ብዙሕ ሓሲበሉ ዝወሰንኩዎ ውሳነ ኢዩ፤ ትኽክለኛ ግዘ እውን ሕዚ ኢዩ” ክብል ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢንተር ሚያሚ እናተፃወተ ዝርከብ ሉዊስ ሱዋሬዝ÷ ቅድም ክብል ኣብ እንግሊዝ ምስ ጋንታ ሊቨርፑልን ኣብ ስፔናዊት ጋንታ ባርሴሎናን ብምፅዋት ልዑል ዝናን ዓወትን ዝዓተረ ተፃዋታይ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.