Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ክትሰርሕ ኢያ – ኣምባሳደር ተፈራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ዘኽእሉ ስራሕቲ ክትሰርሕ ኢያ ክብሉ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ገሊፆም።

ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት÷ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝሕልዉ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም ኢሎም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ሰነድ ምስንዳእ ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ተሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ሓለፍቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ከምዝተሰናደአ ኣልዒሎም።

ቻይናን ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ልምዓትን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር እናሰርሓ ከምዝፀንሓን እዚ ንምድንፋዕ ከምዝስራሕን ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.