Fana: At a Speed of Life!

ንተኸታተልቲ መዓልቲታት እናተውሃበ ዝቐነየ ስልጠና ኣምባሳደራት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ክውክሉ ዝተሸሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ንዘሓለፉ ተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልቲታት ክወሃብ ዝቐነየ ስልጠና ተዛዚሙ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ አንዳርጋቸው፥ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሚኒስትር፥ እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝተወከሉ ብምዃኖም ንዝተውሃቦም ዓቢዩ ሃላፍነት ዝምጥን ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣምባሳደራት ምስ ዝመርሑዎም ሰራሕተኛታት፣ ምስ ዋና ሚኒስቴር ቤት ዕዮን መዳርግቲ ኣካላትን ጥቡቕ ርክብ ምትእስሳርን ብፍጣር ከምኡ እውን ነዙይ ዝሕግዝ ቅኑዕ ትልሚ ብምድላው ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ገፆም።

ከከም ጭቡጥ ኩነታት ዝተመደቡሉ ሃገር፥ ገፅታ ኢትዮጵያ ብኣዎንታዊ ብምህናፅ ሰብ ሃፍቲ ምስሓብ፣ ትካላት ኣጎብነይቲ ምትእትታው፣ ንምህርቲ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ምትእልላሽ ከም ቁልፊ ተግባር ብምውሳድ ውፅት ምምዝጋብ ልዑል ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ኣይተ ገዱ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንባዕሎም ተረቢሖም ንሃገሮም እውን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ግደ ኣምባሳደራት ኣድለዪ ዘበለ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝኸዱዎ ሃገር ፅቡቕ ናይ ስራሕ እዋን ንኽኾነሎም ተመኒዮም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሃፍቲ ሰብን ዘፈር ግልጋሎትን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ አምባሳደር ብርቱካን አያኖ፥ እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዝውከሉለን ሃገራት ትኹረት ገይሮም ብዛዕባ ዝንቀሳቐሱሉ ጉዳይ ኣድሂበን ገለፃ ምግባረን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.