Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘካይደኦ ዘለዋ ሰለስቲኣዊ ዘተ ትማሊ ንሳልሳይ መዓልቲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ኣሳድዳ ማይን ብዝምልከት ዘካይደኦ ዘለዋ ሰለስቲኣዊ ዘተ ትማሊ እውን ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ ውዒሉ።

እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ብሊቀ መንበርነት ከምዝመርሐቶ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ድማ ብተዓዛቢነት ኣብቲ መድረኽ ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣብቲ ዘተ ድማ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣመላልኣ ማይን አተገባብራን ግድብ ህዳሰ ዘለወን ስግኣት ገሊፀን።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ማይ ኣባይ ምስ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ትጥቀመሉ ኣግባብ ኣመልኪታ ሱዳን ኣብ ዘቕረበቶ ምኽረ ሓሳብ ኣድሂበን ሓሳብ ተለዋዊጠን።

ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝካየድ ድርድር ብፅቡቕ ኣቀራርባን ንኹለን ብዘስማዕምዕን መገዲ ንኽሳለጥ ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ገሊፃ ኢያ።

ውፅኢት እቲ ልዝብ ንህዝቢታት ሰለስቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ስምምዕነት ንኽህሉ ከምትሰርሕ እውን ኣፍሊጣ።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዘተ ግደ ተዓዘብቲ እንታይ ክኸውን ይባእ ኣብ ዝብል ውሳነ ዝተመሓላለፈሉ ዕለት ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ሰለስቲአን ሃገራት ዘዳለወኦ ሰነድ ዝተለዋወጣ እንትኾና፥ ኣብ ሞንጎአን ዘለዉ መሰረታዊ ኣፈላላያት ኣብ ቀፃሊ ንኽመያየጣሎም ኣብ ስምምዕነት በፂሐን።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዘካይደኦ ዘተ፥ ፅባሕ ዓርቢ 6 ሰነ 2012 ዓ.ም ቀፂሉ ከምዝካየድ ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.