Fana: At a Speed of Life!

ግደ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ዝጠመተ ስልጠና ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ሚዲያ ዝጠመተ ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ሂቡ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ፣ ኢቢሲን ተሳትፎም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ስልጠና÷ ልምዲታት ሚዲያ ኣብ ምልዋጥን ሓደሽቲ ነገራት ኣብ ምፍላጥን ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ተን ትካላት ኣሰራርሓ ሚዲያታት ከዘምን ኣብ ዝኽእለሎም መገዲታት ዘድሀበ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት እውን ኣብቲ ገለፃ ተዳህሲሱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣድማሱ ዳምጠው÷እቲ  ቴክኖሎጂ ካሊእ ዓለም ዝበፅሖ ንምብፃሕ ዓብዪ ዕድል ሒዙ ምምፅኡ ከምዝተረድኡ ገሊፆም፡፡

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዕለታዊ ተግባራተን ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥ ግደ ሚዲያታት ዓብዪ ገዛዕዮ ከምዝፅበየን እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣልዒሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.