Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ቱኒዚያ 19 ሚኒስትራት ካብ ሓላፍነቶም ከምዘልዓሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱኒዚያ ካይስ ሰዒድ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ቅድሚ ዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ 19 ሚኒስትራት ካብ ሓላፍነቶም ከምዘልዓሉ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ ካብ ሓላፍነት ዝተልዓሉ፤ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ምክልኻልን ጥዕናን ከምዝርከቡዎም ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ቱኒዚያ ነቶም ሚኒስትራት ካብ ሓላፍነቶም ንምልዓለ ኣብ ውሳነ ዝበፅሑሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ዘይገለፀ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እታ ሃገር፤ ፕሬዚዳንት እታ ሃር መንግስታዊ መመሓየሺታት ንምግባር ከምዝወሰኑ ጥራሕ ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ።

እቶም ፕሬዚዳንት ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፥ ንቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣህመድ ሃቻኒን ካብ መዝነት ብምልዓል ንካሜል ማዱሪ ምሻሞም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.