Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ተፈጥሮ ንኽንተዓረቕ ዘኽአለ ኢዩ – ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ተፈጥሮ ንኽንተዓረቕ ዘኽአለ ከምዝኾነ መተሓባበሪ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ኣብ መላእ ሃገር እናተኻየደ ዝርከብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ መብርሂኦም ድማ ሰፊሕ ክፋል መሬት ዝዓረቐ፣ ብዙሓት ደኒታት ዝበረሱሉን ብዙሓት ስርዓተ ምህዳራት ዝተዛብዑሉን ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ሰብን ተፈጥሮን ብዝነበረ ዝተዛበዐ ርክብ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ሰባት ናይ ባዕሎም ረብሓ ንምሕላው ብዝገበሩዎ ምንቅስቓስ መሬት ብዝኸፍአ ኩነታት ከምዝተጎድአት እውን ኣብሪሆም፡፡

“ሰባት እዚ እንትንገብር ተፈጥሮ ክትከላኸል ትኽእለሉ ዓቕሚ ዘይክህልዋ ይኽእል ኢዩ” ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ÷ ይኹን እምበር ፀኒሓ ሒሳብ ናብ ምውርራድ ከመዝኸደት ገሊፆም፡፡

ብመንፅር እዚ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘብፀሖ ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶ ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብ ንባዕሉ ምጉዳእ ከምዝጀመረ ገሊፆም፡፡

ንኣብነት ድማ ምስ ምምፃእ ክሌማዊ ለውጢ ተተሓሒዙ እቲ ፅዕንቶ ድኻን ሃፍታምን እንተይበለ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናዕረፈ ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ብዘብፀሖ ጉድኣት ምስ ተፈጥሮን ምስ ባዕሉን ተፃሊኡ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓምለዋይ ኣሰር ምስ ባዕልናን ምስተፈጥሮ ናይ ምጥዕራቕ ስራሕ ሰሪሕና ኢና ኢሎም፡፡

እናተወገኑ ብዝርከቡ መርሃ ግብሪታት ሓምለዋይ ኣሰር ፈልሲታት ዝዓረፉሎም ቦታታት ንምፍላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብታምራት ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.