Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካን ምሕዝነት ልምዓት ኣፍሪካን ናርዶስ በቀለ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እቲ ኤጀንሲ ብዝህልዉ ናይ ግደን ዓውዲታት ምትሕብባርን ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ መርሃ ግብሪታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት እቲ ኤጀንሲ ምስ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ቀፃሊ ብዝኾነ ምትሕብባር ከምዝሰርሕ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ገሊፀን፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ብግደኦም÷ እቲ ኤጀንሲ ንስራሕቲ ልምዓት ሃገራት ኣፍሪካ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ብምንኣድ፤ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.