Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝምልከት ንሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝምልከት ንሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ኣሳሊጦም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘዋወሩሎም ከባቢታት ምንቅስቓስ ሕብረተሰብን ብዛዕባ ይገብሮ ዘሎ ጥንቃቐን ብዝምልከት ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ሐዚ እውን ዝተርፎ ምዃኑ ምዕዛቦም እውን ሓቢሮም።

እቲ ሕብረተሰብ ኣካላዊ ርሕቐትን ናይ ውልቀ ንፅህንኡን ኣብ ምሕላው ዝገብሮ ዘሎ ጥንቃቐ ትሑት ብምዃኑ ዋጋ ከኽፍሎ ኢዩ ድማ ኢሎም።

ስለዝኾነ መራኸብቲ ሓፋሽ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ክነጥፋ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ሕብረተሰብ ዝረኣዩ ክፍተታት ኣብ ምምላእ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጅማ፣ ጎንደር፣ ወላይታ ሶዶን ደብረብርሃንን ዘለዉ ኣመራርሓታት ጣቢያታት ፋና ኤፍ ኤም ትማሊ ኣብቶም ከተማታት ብምዝውዋር ገንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ኣሳሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.