Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ኣደባባይ ኣሸንዳን ምረቓ መንገዲ ኣስፓፋልት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ኣደባባይ ኣሸንዳን ምረቓ መንገዲ ኣስፓፋልት ካብ ሓውዜን ኣደባባይ ክሳብ ኣብራሃ ካስትልን ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ÷ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብተሳትፎ ህዝብን ውሽጣዊ ዓቕምን ኣብ 2016 ዓ.ም ንዝሰረሖም ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ፕሮጀክት ሓምለዋይ ልምዓት ኣደባባይ ኣሸንዳ ቅድም ኢሎም ብዝነበሩ ኣመራርሓ ከምዝተወጠነ ዘመላኸቱ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ንታሪኻዊን ባህላዊን በዓል ኣሸንዳ ዝምጥን ኣደባባይ ምህናፅ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ብር ህንፀት 10 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትር መንጊዲ ኣስፋልት ኣብ ከተማ መቐለን ኩሓን የሳልጥ ከምዘሎ ዝገለፁ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረኽ ኣማሃ ብወገኖም÷ ካብ ሞንጎ እቲ ፕሮጀክት ካብ ኣደባባይ ሓዉዜን ክሳብ ኣብረሃ ካስትል ዘሎ መንገዲ ተዛዚሙ ንምረቓ ከምዝበቕዐ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.