Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ በዓል ኣሸንዳ ብልገሳ ደምን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ በዓል ማርያን ኣሸንዳን ብልገሳ ደምን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን እናኽበራ ከምዝኾና ርኢቶአን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝሃባ ጎራዙ እታ ከተማ ገሊፀን።

ዕዱማት ጎራዙ በዓል ኣሸንዳ፣ እቲ በዓል ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ደም ንዘድልዮም ወገናት ደም ብምልጋስ እናኽበራ ብምዃነን ሓጎስ ከምዝተሰመዐን እውን ገሊፀን።

መተሓባበሪ ማእኸል ባንኪ ደም ዞባታት ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ኣይተ መንግስተኣብ ኣርኣያ ከምዝገለፁዎ÷ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ግዚያዊ ድንኳን መለገሲ ደም ተተኺሉ ደም እናተኣከበ ይርከብ።

ካብ 15 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም 124 ዩኒት ደም ምእካብ ከምዝተኽኣለን እቲ ልገሳ ደም ክሳብ 18 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ከምዝቕፅልን እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ኣደባባያት ምኽባር ዝጀመረ በዓል ኣሸንዳ÷ ሰገናት ጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ ብዝወቀበ ቁናኖ ብምግያፅን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲን መልኪዐን ብዝተፈላለዩ ምርኢታት እናድመቐኦ ከምዝርከባ ግዜኢ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.