Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ፅባሕ ኣብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊዮን ዝካየድ ወፍሪ ምትካል ፈልሲታት ህዝቢ ብትግሃት ንኽሳተፍ ፀዊዖም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ፅባሕ ኣብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊዮን ዝካየድ ወፍሪ ምትካል ፈልሲታት ህዝቢ ብትግሃት ንኽሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ህዝቢ እቲ ክልል ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ ንኅገብር ፀዊዖም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም÷ ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተጀሚሩ እናተተግበረ ዝርከብ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር መጠን ዝትከሉ ፈልስቲታት እናወሰኸን ዘደንቕ ዕቤት እናርአየን ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም÷ ህዝቢ ክልል ዓፋር ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቲ ፀሓይ ብዕቱብ ወፂኡ ንኽሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ኣወል ኣብ መልእኽቶም÷ ኣብቲ ክልል ንዝውገን ወፍሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊዮን ፈልሲታት ምትካል ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ከምዝተዛዘሙ ኣፍሊጦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ብተመሳሳሊ÷ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብንቕሓት ምስራፍ ጉዳይ ህልውላ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዝተጎድኡ ስነ-ምህዳራት መሊስካ ብምልማዕ ድሕንነት ከባቢ ንምሕላው፣ መፍረያይነት ንምድንፋዕን ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምግራሕን ግደ ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ከምዝኾነ ብምግንዛብ ህዝቢ ኣብቲ ወፍሪ ብንቕሓት ንኽሳተፍ ፀዊዖም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.