Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መፈለምታ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃድያ ሆሳእና ክጋጠማ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ምውፃእ ዕፃ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመት 2017 ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ፥ ኣብ መፈለምታ ሰሙን መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃድያ ሆሳእና፣ ባህርዳር  ከተማ ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ፣ ስሑል ሽረ ምስ ኣዳማ ከተማ፣ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ወላይታ ዲቻ፣ ኣርባምንጭ  ከተማ  ምስ ድሬዳዋ  ከተማ፣ ሲዳማ ቡና  ምስ ሃዋሳ ከተማ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ  ምስ ፋሲል ከነማ ፣ ኢትዮጵያ  ቡና ምስ ኢትዮጵያ  ንግድ ባንክ፣ መቻል   ምስ ወልቂጤ  ከተማ ክጋጠማ ኢየን።

ኢትዮጵያ  መድን ድማ ኣብቲ ሰሙን ዕረፍቲ ዘሎ ጋንታ ኢዩ።

ሸገር ደርቢ  ኣብ መበል 18 ሰሙን ከምዘርክብ ተገሊፁ።

ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ  10 መስከረም  ኣብ ከተማ ድሬዳዋ  ከተማ ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.