Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተመክሮ ንኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተመክሮ ንኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ።

ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሞያውያን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።

እቶም ኣምባሳደሩ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምርምርን ትግበራን ዝተባባዕ ስራሕ ምስርሓ ኣብቲ ዑደት ተገንዚበ ኢየ ኢሎም።

ብፍላይ ቴክኖሎጂን ዘመናዊነትን መሰረት ምዕባለ ንምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዘለዎም ባህጊ ብዙሓት ለውጢታት ኣብ ሓፂር እዋን ምምፅኦም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ነዚ ኣጠናኺራ ንምቕፃል ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ሩሲያ ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተመክሮ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.